Tuesday , June 25 2024

ናይ መንገዲ ኣየር SAS መወዓውዒ ምልክታ ንህዝቢ ስካንዲናቭያ ብምንቊሻሹ ሓያል ቑጥዔ ይፈጥር።

ሓደ ናይ ንግድ መወዓውዒ መንገዲ ኣየር ንህዝቢ ስካንዲናቭያ የንቋሽሽ እዩ ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ማዕበል ነቐፌታ ይውርዶ ምህላዉ ተገሊጹ’ሎ።፡ ኣብቲ ብዩትዩብ ዝተፈነወ መወዓውዒ “ስካንዲናቭይ እንታይ እያ? ዝብል ሕቶ ይቐርብ እሞ–“ምንም” ዝብል መልሲ ኸኣ ይወሃቦ። “ዴሞክራሲ፥ ዕረፍቲ ሕራሳትን ምቊር ሕብስትን ኲሎም ንጃህረሎም ነገራት ካብ ደገ ዝተለቃሕናዮም የብልናን። ባዶ ኢና!” እናበለ ከኣ ይቕጽል።

እዚ መወዓውዒ ካብ ዝተፈነወሉ ንደሓር ድማ እዚ ንባህሊ ስካንዲናቭያ ዘንቋሽሽ እዩ ዝብል ዝመረረ ርእይቶታት ይዘንቦ ኣሎ። ሓደ ካብቶም ወሃብቲ ርእይቶ” እሞ ንኲባንያኻ ባዶ ስክንዲናቭያ” ኢልካ ዘይትሰምዮ ኢሉዎ ኣሎ። እታ ኲባንያ ድሕሪዚ ነቲ መወዓውዒ ምስራዛ ድም ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com