Tuesday , June 25 2024

ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ኣብ ኲለን ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ዘይምብጻሑ ይግለጽ ኣሎ።

ክፍሊ ትምህርቲ ሽወደን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ብግቡእ ክባጻሕ ዘይምኽኣሉ ትገሊጹ። ቀዳማይ ሚኒስተት ስቲፈን ሉፊን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ መንግስቱ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲታት ክዕጸዋ ከም ለበዋ ምትሕልላፉን ገሊጹ። ዳይረክተር እቲ በዓልመዚ ፒተር ፍሬድሪክሰን ንኣገልግሎት ዜና ቲቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ርሕቀት ኣገልግሎት ምስትምሃር ምቅናዕ ከም ዘይተኻእለ ኣብሪሁ’ሎ።

እዚ ዕዮ ቀሊል ዘይምዃኑን ኣመሓደርቲ ትምህርቲ በቲ ዘለዎም ተክኒካዊ ክእለት ብምጥቃም ዘድሊ ምውዳባት ክገብሩ ከም ዝግባእ ድም ኣመልኪቱ። ንሱ” ናይ ርሕቀት ይምህርቲ ንምሃብ ሰሌዳ ግዜ ካብ ዘዳሎናሎም ምኽንያታት ሓደ ዝበዝሑ ሓለፍቲ ትምህርቲ እኹል መሳለጥያ ዘይብሎም ብምዃንህ እዩ። በዚ ድማ በቲ ህሉው መሳለጥያ እቲ ዝድለ ክገብሩ ኣለዎም” ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com