Saturday , March 2 2024
Credit: Fredrik Sandberg/TT

ንኣባላት ስድራቤት ናይቶም ነብሰ ቅትለት ዝፍጽሙ ሰባት ደገፍ ይረኽቡ የለዉን።

መብዛሕትአን ዞባታት ሽወደን ንኣዝማድ ነፍሰ-ቕትለት ዝፍጽሙ ሰባት ደገፍ ናይ ምሃብ ልምዲ ከም ዘይብለን ኣገልግሎት ዜና
ሬድዮ ሽወደን ዘካየደቶ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ኣብ ሽወደን በብዓመቱ ኣስታት 1200 ሰባት ነፍሰ ቕትለት ከም ዝፍጽሙ
ስታቲስቲክስ ሽወደን የመልክት። ሚክኤላ ኣቦኣ ጓል 24 ዓመት እናሃለወት እዩ ሞይቱ። ድሕሪኡ ዝኾነ ሓገዝ ከም ዘይተዋህበትን
ብዘይካ ኣዴኣ ማንም ካልእ ኣብ ጎድና ከም ዘይነበረን ትገልጽ። ነፍሲ ወከፍ ካብዞም ህይወቱ ብገዛእ ኢዱ ዘጥፍእ ሰብ፥
ብማእከላይ ገምጋም 5 ናይ ቀረባ ቤተሰቡ በቲ ተግባር ቊጠባዊ ህይወቶም ብኣሉታ ከም ዝጽሎ ይፍለጥ። እቲ ተግባር ኣብቶም
ብህይወት ዘለዉ ዘስዕቦ ከቢድ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ከይኣክል፥ እቶም ኣባላት ስድራቤት ንባዕሎም ተመሳሳሊ ተግባር ንኽፍጽሙ
ክድርኽ ከም ዝኽእል፥ ስታቲስቲክስ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን የመልክት። ካብተን ንዊሕ ልምዲ ዘይጸንሐን ዞባታት እተን
10 ኣብዚ እዋን ነዚ ኲነታት ኣብ ግምት ንምእታው ይሰርሓ ምህላወን ገሊጸን ኣለዋ።

 

Credit: Fredrik Sandberg/TT

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com