ንጉስ ሽወደን ካርል መበል 16 ብምኽንያት በዓል ልደት ብ ተሌቪዥንን ሬድዮን SVT መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ንጉስ ሽወደን ኣብ በዓል ልደት ንህዝቢ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ካብ 1938 ኣትሒዙ ዝጸንሐ ያታ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ መደረ ዝበዝሐ ቦታ እተዋህቦ ዛዕባ ዩክሬይን ከምኡውን ዝመጽእ ዓመት ዝኽበር ወርቃዊ እዮቤልዩ እዩ ኔሩ።
ካብ ቤተንጒስ ሽወደን ናብ ዩክሬይን ብኣየር ናይ 1000 ኪሎሜትር ርሕቀት ጥራይ ዘሎ ክንሱ፡ ሰብ ዩክሬይን ን በዓል-ልደት ኣብ ጸልማት ቀዝሒን ጸበባን ኮይኖም የብዕልዎ ምህላዎም ዘሕዝን ኲነታት ምዃኑ ንጒስ ካርል ኣብ መደረኡ ብሰፊሑ ኣልዒልዎ’ሎ።