Friday , June 14 2024
Credit: Pixabay

ን ሓማስ ዝድግፉ ሰልፍታት ኣብ ጎደናታት ከተማታት ሸወደን ተኻዪዶም

ንወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ–“ብርጌዳት ኣልቃሳም” ዝድግፉ ጭርሖታት ኣብ ከተማታት ደቡባዊ ሽወደን ሄልሲንበሪን ማልምን
ተኻዪዶም። እቶም ሰልፊኛታት ባንዴራ ፍልስጤም ብምሓዝ ንመራሒ ወተሃደራዊ ክንፊ ሓማስ መሓመድ ዳይፍ ክውድሱ
ተሰሚዖም ኣለዉ። ሓደ ካብቶም ኣብዚ ናይ ሄልሲንበሪ ናይ ደገፍ ሰልፊ ዝተሳተፉ ኣቦመንበር ማእከል ፍልስጤማያን ኣብ ሽወደን
ኣሕመድ ሱሌማን ኮይኑ፡ ዕላማኡ ንህዝቢ ፍልስጤም ዘለዎ ደገፍ ንምግላጽ ጥራይ ምዃኑ ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ።
ዝኾነ ይዂን ውድብ ንሰላማውያን ሰባት ዕላማ ክገብር ከም ዘይድግፍ ዝገለጸ ሱሌማን ኣብ ቓዛ ብቦምባታት ነፈርቲ እስራኤል
ንዝድብደቡ ዘለዉ ፍልስጤማያን ንምድጋፍ ኣብዚ ሰልፊ ምጽንባሩ ወሲኹ ኣመልኪቱ። እዚ እናኾነ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ
ማሕበረሰብ ኣይሁድ ሽወደን ኣሮን ቨርስታንዲግ፡ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት ምጽንባል ኣጸያፊ ተግባር እዩ ክብል ነቲ ሰልፊ ዘለዎ
ተቓውሞ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com