Wednesday , March 22 2023

ኖርወይ፡ ርችት ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ጥራይ ክትኮስ ከም ዘፍቅድ ምምሕዳር ከተማ ኦስሎ ገሊጹ።

ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት 2023፡ ርችት ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ጥራይ ክትኮስ ከም ዘፍቅድ ምምሕዳር ከተማ ኦስሎ ገሊጹ። ኦስሎ ርችት ዝተኮሰትሉ ናይ መወዳእታ ዓመት 2019 እዩ ኔሩ። ኣብ ዋዜማ እዛ ንቕበላ ዘለና ዓመት፡ ርችት ካብ ማእከል ከተማ ወጻኢ ጥራይ ክፍቀድ እዩ—ክብል እቲ ምምሕዳር ዝሓለፈ ሰንበት ኣፍሊጡ’ሎ። በዚ ድማ፡ ኣብ ከባቢታት ቫለረንጋን ካምፐንን ርችት ኣይክትኮስን እዩ።

ብዘይካዚ ርችት ዝትኮሰሉ ሕጋዊ ናይ ግዜ ገደብ፡ ካብ ሰዓታት 6 ድ/ቀ ክሳብ 2 ወጋሕታ ጥራይ ክኸውን እዩ።

ርችት ክትኲሱ ዝደልዩ ናይ መከላኸሊ መነጽር ክወድዩ፡ ከምኡ’ውን ዕድሜኦም ትሕቲ 18 ዝኾኑ ርችት ካብ ምትኳስ ክዕቀቡ፡ ርችት ካብ ሰብን መካይንን ርሕቕ ኢሉ ክትኮስ ዝብሉ መምርሒታት በቲ ምምሕዳር ከተማ ወጺኦም ኣለዉ።





Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com