ኣብ መላእ መዓልቲ ልደትን ድሕሪኡን፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኖርወይ ሕማቕ ኲነታት ኣየርን ሸታሕትሖ ጎደናታትን ይረአ ምህላዉ ተገሊጹ።
“ኣብ ከባቢ ቨስላንድ፣ ቮስ፣ ኦራላንድን ሶጋን መኪና ምዝዋር ኣሸጋሪ ኮይኑ’ሎ። ስጒምቲታት ንወስድ ኣሎና፡ እንተኾነ ግና ሕጂ’ውን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሕጂ’ውን ሸታሕትሖ ጎደናታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ድማ ሰባት ብጥንቃቐ ክዝውሩ ነተሓሳስብ ኣለና” ክብል ማእከል ትራፊክ ጎደናታት ዞባ ምዕራብ ብ “ቨግስትራፊክሰንትራለን ቨስት” ብ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።
ዝሓለፈ ሰንበት ምሸት (ኣብ መዓልቲ “ክሪስማስ”) ትካል ሜትሮሎጂ ን ሸታሕትሖ ጎደናታት ኣመልኪቱ ኣብ ኦስሎ፡ ክፋላት ቪከን ኢንላንደትን መጠንቀቕታ ምውጻኡ ዝፍለጥ እዩ።