ኣብ ኖርወይ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመተ 2023 ዋጋታት ኣባይቲ ከንቈልቊል ትጽቢት ተጌሩ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብቲ ዓመት ዝህሉ ዕዳጋ ኣባይቲ ኣመልኪቱ “ሪል እስቴት ኖርወይ” ናይ ትንቢት መግለጺኡ ኣውጺኡ’ሎ። እዚ ምንቊልቋ ዋጋ ብምኽንያት እቲ ኣብ ዓመታት 2021፡ 2022 ከምኡ’ውን ናብ 2023 ዝቕጽል ወሰኽ ወለድ ዝተኸስተ እዩ ተባሂሉ’ሎ። በዚ ድማ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዕዳጋ ኣባይቲ ኖርወይ ምንቊልቋል ክህሉ፡ እዚ ድማ ብፍላይ ገሊኡ ክፋላት እታ ሃገር ኣዝዩ ዝጽሎ ምዃኑ ማዕከን ዜና “ዘ ሎካል” ገሊጻ’ላ። ቀንዲ ፖሊሲ መጠን ወሰኽ ኖርወይ ኣብዚ ሕጂ እዋን 2.75% ምህላዉ፡ እንተኾነ ግና “ማእከላይ ባንክ ሽወደን” ን መጠን ወለድ ናብ 3% ከዕብዮ ከም ዝኽእል “ዘ ሎካል” ወሲኻ ገሊጻ’ላ።