Friday , July 12 2024
https://www.aljazeera.com

ኖርወይ፡ ኣየርላንድ፡ ስጳኛ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ክህባ እየን

ሰለስተ ሃገራት ኤውሮጳ–ኖርወይ፥ ኣየርላንድን ስፔይንን ዝመጽእ 28 ግንቦት ን ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ክህባ እየን።
እስራኤል ሳዕቤን እዚ ኣፍልጦ ኣመልኪታ እኳ እተጠንቀቐት፥ እዚ ክግበር ምዃኑ እተን ሃገራት ኣፍሊጠን ኣለዋ። መራሕቲ
ኖርወይ፣ ኣየርላንድን ስፔንን ንስለ “ሰላም ማእከላይ ምብራቕ“ ክብሉ ሃገራቶም ንፍልስጤም ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ከም ሃገር
ብወግዒ ኣፍልጦ ከም ዝህባ ብምግላጾም፣ እስራኤል ኣምባሳደራታ ካብተን ሃገራት ጸዊዓ’ላ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ ዮናስ
ጋህር ስቶር ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክልተ ሃገራት ዝሓቖፈ ፍታሕ ንረብሓ እስራኤል ምዃኑ፥ ንፍልስጤም ኣፍልጦ
ምሃብ ከኣ ካብ 28 ግንቦት ጀሚሩ ክትግበር ምዃኑን ገሊጹ’ሎ።
"ን ሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ እንተዘይሃልዩ፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ክህሉ ኣይክእልን'ዩ" ክብል ኣብ ኦስሎ ተዛሪቡ’ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣየርላንድ ሳይሞን ሃሪስ ኣብ ዳብሊን ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ስፔይን ፔድሮ ሳንቸዝ ኣብ ማድሪድ
ተመሳሳሊ መግለጺ ድሕሪ ምውጻኡ ካብ ኣባላት ባይቶ ደሚቕ ጣቕዒት ደገፍ ረኺቡ እዩ።
“ኣብዚ መጥቃዕቲ እስራኤል ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ቓዛ ተቐቲሎምን ቆሲሎምን እዮም። ንእስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን
ብማዕረ ፖለቲካዊ ፍታሕ ዘቕርብ እንኮ ኣማራጺ ብሰላም ርግኣትን ጎድኒ ንጎድኒ ዝነብራ ክልተ ሃገራት ምፍጣር እዩ ይብል ጋህር።
"ኣፍልጦ ፍልስጤም ነቶም ኣብዚ ዝተናውሐን ኣረሜናዊን ግጭት ደገፍ እናሰኣኑ ዝመጹ ለዘብተኛ ሓይልታት ንምድጋፍ ዝሕግዝ
መሳርሒ'ዩ" ኢሉ። ሃሪስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ “ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ተወሳኺ ሃገራት ነዚ ኣገዳሲ ስጉምቲ ክወስዳ
ምዃነን ርግጸኛ’የ” ኢሉ’ሎ። እዚ እናኾነ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣየርላንድ ማይክል ማርቲን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡
እቲ ኣፍልጦ ኣብ 28 ግንቦት ክካየድ እዩ ኢሉ።
ሳንቸዝ፡ ባይቶ ሚኒስተራት ስጳኛ’ውን ንናጻ ሃገር ፍልስጤም ኣፍልጦ ከም ዝህብ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ንእስራኤላዊ መዘንኡ
ቤንያሚን ናታንያሁ፡ በቲ ኣብ ቓዛ ዝኽተሎ “ቃንዛን ዕንወትን” ዝብል ፖሊሲ፡ ነቲ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ኣብ “ሓደጋ” ኣእትዩዎ
ክብል ወቒስዎ’ሎ።
“ንሃገረ ፍልስጤም ዝሃብናዮ ኣፍልጦን ዘቕረብናዮ ምኽንያታትናን ብምርኣይ ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራት ክስዕባና ተስፋ
ንገብር፡ ምኽንያቱ ብዝበዛሕና መጠን ተኹሲ ደው ንምባል ዝያዳ ሓይሊ ክህልወና እዩ” ኢሉ’ሎ ሳንቸዝ። ሃሪስ ብተወሳኺ
ኣየርላንድ እስራኤል “ብውሑስን ምስ ጎረባብታ ብሰላምን” ክትነብር ዘለዋ መሰል ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ጨሪሳ ከም ዘይትወላወል
ድሕሪ ምግላጽ፡ ኩሎም ኣብ ቓዛ ዘልዉ ምሩኻት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ጸዊዑ’ሎ።
ስዑዲ ዓረብ፣ ዮርዳኖስን ቱርኪን ውሳነ እቶም ሰለስተ መራሕቲ ብሓጎስ ተቐቢለንኦ። ፈረንሳ እዚ ውሳነ ሕጂ ግዜኡ ከምዘይኮነ
እኳ እንተገለጸት፡ ኣፍልጦ ምሃብ ግን "ዘወግዝ" ከምዘይኮነ ወሲኻ ገሊጻ። እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ዋይት ሃውስ ነፍሲ ወከፍ

ሃገር ን ሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብን ዘይምሃብን ናይ ገዛእ ርእሳ ውሳነ ክትወስድ ከምእትኽእል እኳ እንተኣመነ፡ ፕረዚደንት
ኣመሪካ ጆ ባይደን በቶም ውድባት ዝካየድ ቀጥታዊ ልዝብ እቲ ዝበለጸ ኣገባብ ከም ዝመስሎ ኣስሚሩሉ’ሎ።
እዚ እናኾነ እስራኤል ኣብ ኣየርላንድን ኖርወይን ንዝርከቡ ልኡኻታ ን“ህጹጽ ምምኽኻር” ትጽውዖም ከምዘላ ብኡንብኡ
ኣፍሊጣ’ላ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ካትዝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ሎሚ ንኣየርላንድን ኖርወይን ዓብዪ መጠንቀቕታ
እሰድድ ኣለኹ፡ ምኽንያቱ እስራኤል ነዚ ብሸለልትነት ኣይትሓልፎን እያ” ክብል ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com