Friday , June 14 2024
Uganda is abolishing a controversial law that, among other things, banned short skirts in public. Pictured is a court in the capital Kampala (AP Photo / Stephen Wandera)

ኡጋንዳ: ሕጊ ጎና ክዳን ኣልዒላቶ

ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ኡጋንዳ ከም ኣካል ጸረ-ፖርኖግራፊ ዘተኣታተዎ ደቀንስትዮ ሓጺር ጎና ከይክደና ዝድንግግ ኣዋጅ ከም ዝሰረዞ ተፈሊጡ። ተጣበቕቲ መሰል ደቀንስትዮ ነዚ ውሳነ መሰል ብዓብዪ ሓጎስ ተቐቢለናኦ ኣለዋ።

 

ብመሰረት እቲ ቤት ፍርዲ እዚ ብ 2014 ዝወጸ ሕጊ ንቅዋም እታ ሃገር ዝጻረር እዩ። ብተመሳሳሊ ንትግባረ እዚ ሕጊ እትከታተል ኮሚተ እውን ከም እትፈርስ ተጌሩ’ሎ።

 

ብመሰረት እዚ ሕጊ ኲሉ ፖርኖግርፍያዊ እተባህለ ምንቅስቓስ (ካብ ኣከዳድና ጀሚርካ ክሳብ ሙዚቃ) ኣብዚ ዝኣቱ ኮይኑ ብርክት ዝበላ ደቀንስትዮ በዚ ግዳያት ኮይነን ምጽንሐን ተመልኪቱ። ንኣብነት ኣብ 2014 ክዳን ለይቲ ወድያ ቪድዮ ክሊፕ ዝሰርሐት ኣርቲስት ጀሚማ ካንሲመ ክሳብ 10 ዓመት ማእሰርቲ ከም እትፈርደት ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com