Friday , June 14 2024
Iran's rocket launch on Thursday failed. (Iranian Defense Ministry via AP) VAH104

ኢራን: ከተወንጭፎ ዝፈተነት ሪኬት ፈሺሉዋ

ብሓሙስ ክትውንጨፍ ተሓሲባ ዝነበረት ናይ ኢራን ሮኬት ፈሺላ። እቲ ውጥን፡ ምስ ሰለስተ መሳርሒታታ ኣብ ዙሪያ ምድሪ ዑደት እንዳገበረት ንምርምር ክትውዕል ተሓሲባ ዝነበረት ሳተላይት ናብ ህዋ ምፍናው እዩ ነይሩ።
“ኮይኑ ግና እዚ ክሳኻዕ ኣይከኣለን፡ ምኽንያቱ እታ ሮኬት በቲ ዝድለን ዝኣክልን ናህሪ ናብ ላዕሊ ክትከይድ ብዘይምኽኣላ እዩ” ክብል ወሃብ ቃል ናይ ኢራን ሚኒስተር ምክልኻል  ንናይ መንግስቲ ዜና ማዕከን ኣብዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ናይ ሓሙስ ሮኬት ናይ ምውንጫፍ ፈተነ ዝግበር ዘሎ፡ ብርክት ዝበላ ምዕራባውያን ሓይልታት፡ ኑክሌሳዊ ስምምዓት ብዝምልከት እንደገና ክስረተሉ ኣብ ዝኽእል መስርሕ ይዳራደራ ኣብዘለዋሉ እዋን እዩ።
መንግስቲ ፈረንሳ እዚ ናይ ምውንጫፍ ፈተነ ሕግታት ሕቡራት መንግስታት ዝጥሕስ እዩ ክትብል ከላ፡ ኢራን ብወገና ነዚ ክሲ ነጺጋቶ ከምዘላ ተፈሊጡ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com