Sunday , June 16 2024
The conflict in the Ethiopian region of Tigray is escalating – on social media. Now the government is creating a rival to Facebook and other platforms (AP Photo) AAS105

ኢትዮጵያ: ናይ ባዕላ መራኸቢ ብዙሓን ትሃንጽ

ኢትዮጵያ ምስ ዓበይቲ ማዕከናት ማሕበራዊ ሚድያ ዝኾና Facebook, Twitter, Whatssapp ከምኡውን Zoom ዝወዳደር ሚድያ ምቛም ጀሚራ ተባሂሉ።

ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኲናት ደገፍቱን ተቓወምቱን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዓብዪ ኲናት የካይዱ ምህላዎም ጠንቂ ናይዚ መንግስታዊ ፕሮጀክት እዩ ተባሂሉ’ሎ።

Facebook ነቶም ቅኑዕ ስእሊ ኢትዮጵያ ዝዝርግሑ ሰባት እናፈለየ ሕሳቦም ይስርዝ ኔሩ እዩ ክብል ዳይረክተር ጀነራል በዓልመዚ ድሕነት መርበብ ኮምፕዩተር (ኢንሳ):  ሹመቴ ግዛው: ይኸስስ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት: መንግስቲ ኢትዮጵያ: ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብምዕጻዉ: ኣህጒራውያን ጒጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ክነቕፍኦ ምጽንሐን ዝፍለጥ እዩ።

ኢትዮጵያ ነዚ ጀሚራቶ ዘላ ናይ ባዕላ መድረኽ ሚድያ ምስ ሃነጸት ን Facebook, Twitter, Whatssapp፥ Zoom ይዂን ካልኦት ማሕበራዊ ሚድያታት ናይ ምዕጻው ውጥን የብላን ክብል ሹመቴ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com