Friday , June 14 2024
Italian Prime Minister Mario Draghi at a G20 ministerial meeting in Rome in July. ( foto. Roberto Monaldo/LaPresse via AP)

ኢጣልያ . . . G-20 ብጉዳይ ኣፍጋኒስታን ንኽእከብ: ድሌት ከምዘለዋ ገሊጻ

ፕረሲደንት G-20 ዝኾነት ኢጣልያ: ኣብ ጒዳይ ኣፍጋኒስታን: ናይ ህጹጽ እዋን ጒባኤ ክካየድ ሓቲታ። ቀዳማይ ሚኒስተር: ማርዮ ድራጊ: ብዛዕባዚ ጒዳይ ኣመልኪቱ: ምስ ፕረሲደንት ሩስያ: ቭላድሚር ፑቱን ክዝቲ ምዃኑ ጸብጻባት ሚድያ ኢጣልያ ሓቢሮም ኣለዉ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ ኣኼባ: ቅድሚ ዝመጽእ ሓፈሻዊ ጒባኤ: ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ሮማ ክካየድ: ኢጣልያ ከም እትደሊ ጋዜጣ ላ ሪፓብሊካ ሓቢራ።

መራሕቲ ዝሃብተማ ሃገራት ዓለምና G-7 ብዛዕባ ኣፍጋኒስታን ዲጂታላዊ ኣኼባ ክግበር ድሮ ጸዊዐን ምህላወን ተፈሊጡ።

G-20: ኣብ ዓመተ 1999 ዝተመስረተ ኮይኑ: ንዓለምለኻዊ ፋይናንስያዊ ምርግጋእን ቀጻልነት ዕብየትን ንምውሓስ ዝሰርሕ ኮይኑ፤ ብ19 ብቑጠባ ዝሓየላ ሃገራት ዓለምናን ብEU ን ዝቖመ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com