Tuesday , June 25 2024
Jennifer Welch, center, President and CEO, Planned Parenthood of Illinois, speaks during an abortion rights rally outside Federal Plaza in Chicago., Wednesday, Dec. 1, 2021. The U.S. Supreme Court on Wednesday heard a Mississippi case that directly challenges the constitutional right to an abortion established nearly 50 years ago. (AP Photo/Nam Y. Huh) ILNH101

ኣመሪካ፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ምንጻል ጥንሲ ንዝውስን ናይ ግዜ ገደብ፡ ደጊፉ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ነቲ ድሕሪ 15 ሳምንቲ ጥንሲ ድቂ ከይንጸል ዝድንግግ ሕጊ ሚሲሲፒ ብምድጋፍ፡ ካብዚ ግዜ ዝሓልፍ ምንጻል ጥንሲ ብሕጊ ክእግድ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እቲ ጥንሲ፡ ብጾታዊ ዓመጽ ወይ ናይ ኣዝማድ ጾታዊ ርክብ እውን ዝተፈጥረ እንተኾነ እዚ ሓድሽ ሕጊ ዝምልከቶ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ዝበዝሑ ዓቃባውያን ኣመሪካውያን ነዚ ብረቡዕ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ዝጸደቐ ውሳነ ከም ዝድግፍዎ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። እዚ ሕጊ ኣብ ትግባረ ምስ ዝውዕል ሚልዮናት፡ ጥንሰን ክንጽላ ዝጽበያ ዘለዋ ደቀንስትዮ ነዚ ተግባር ክኽልከላ እየን። ቤት ፍርዲ ንመሰል ህይወት ድቂ ክከላኸል ይግብኦ ክብሉ ንምንጻል ጥንሲ ዝቃወሙ ኣክቲቪስታት ክጒስጒሱ ጸኒሖም ኣለዉ። ይዂንምበር ምንጻል ጥንሲ እንተተኸልኪሉ መጠነ ሞት ኣዴታት ክውስኽ እዩ ክብሉ ገለ ወገናት ኣብዚ ውሳነ ዘለዎም ሻቕላ ይገልጹ’ለዉ። እዚ እናኾነ ንምንጻል ጥንሲ ብዝምልከት ቅድሚ ሕጂ ዝሓለፋ ክልተ ኣገደስቲ ውሳነታት ከፍርሰን ንሕጊ ሚሲሲፒ ዝድግፉ ጠበቓታት ሕቶኦም ምቕራቦም እቲ ዜና ወሲኹ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com