Saturday , December 2 2023

ኣርሰን ቨንገር ምስ ሚላን ወዲኡ ይበሃል

ካብ ኢንግሊዛዊት ክለብ ኣርሰናል ድሕሪ 22 ዓመት ምፍልላዩ ኣብ ዕረፍቲ ዝጸንሔ ኣርሰን ቨንገር ምስ ክለብ ኤሲ ሚላን ከም መተካእታ ሓደ ናይ ቀድም ተጻዋትይን ድሒሩ ነዛ ክለብ ከሰልጥና ሓላፈነት ዝተዋህቦ ጋትሶ ክኸውን ኣብ ስምምዕ በጺሖም ክትብል ፍራንስ ስፖርት ኣብ ኣብ ዓምድታታ ኣስፊራ።

ጋትሶ ብ ኣታውን ወጻኣቲ ጸወታ ነዛ ጋንታ ክመርሓ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መሳልል ሰሪ ኣ ጥልያን ካብ መራሒት ጁቬንቱስ ብ 10 ነጥቢ ተበሊጻ ብ ሸቶ ን ላዛዮ በሊጻ ብ 21 ነጥቢ ኣብ 4 ይ ደረጃ ዘላ።

ክለብ ኤሲ ሚላን ኣብዚ እዋን ዳግማይ ምትዕርራይ ብምግባር ናብ ናይ ቅድም ዝንኣን ስማን ንክትመለስ ሙኩራት ተጻወቲ ከም ኣርጀንቲናዊ ሁጉየን ብምንጽንባር ንሙኩር ኣሰልጣኒ ኣርሰን ቨንገር ትቆጽሮ ዘላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com