Friday , July 12 2024
Credit: Martina Holmberg / TT

ኣባልነት ማሕበር ሰራሕተኛታት የንቈልቊል

ኣብ ሽወደን ደረጃ ኣባልነት ማሕበር ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክብ ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ መሊሱ ምንቊልቋሉ ተሓቢሩ። ከም መርኣያ ናይዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ 69% ናብ 68% ወሪዱ’ሎ። በዚ ድማ ቅድሚ ለበዳ ናይ ዝነበረ ተመሳሳሊ ደረጃ ተመዓራርዩ ኣሎ ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ፕሮፌሰር ኤሜሪተስ ስነ-ማሕበረሰብ ኣንደርስ ክየልበሪ ኣብ ዘሕተሞ ሓድሽ ጸብጻብ ገሊጹ’ሎ። ኣብ መንጎ ሰራሕተኛታት ሰማያዊን ጻዕዳን ቆብዕ ዘሎ ጋግ እውን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሐ ኮይኑ፡ ብቕደም ተኸተል 58 ን 73% ኣባልነት ማሕበር ሰራሕተኛታት እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com