ኣባይቶም ደሪቦም ዘካርዩ ሰባት ዋጋ ክራዮም ብምኽንያት ናህሪ ዋጋ ጸዓት ክውስኽ ይግበር ምህላዉ ተገሊጹ። ብተመሳሳሊ ከምዚ ዝገብሩ ሰባት ካብ ረብሓ ውጥን ድጎማ ኤለትሪክ መንግስቲ ከይስረዙ ስግኣት ከም ዘሎ እውን ተመልኪቱ።
“ከምዚ ዝገብሩ መንእሰያት፡ ምናልባት እውን ሽግር ፋይናንስ ዘለዎም ስደተኛታት እዮም። ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ሕጽረት ገንዘብ ዝኸበረ ክራይ ገዛ ክኸፍሉ ይግበር ኣሎ ” ክብል ማርቲን ቮቭበርግ ካብ “ማሕበር ተኻረይቲ ሽወደን” ቅረታኡ ገሊጹ’ሎ።