Friday , June 14 2024
Moderna's vaccine. (AP Photo/K.M. Chaudary, file) LLT107

ኣብተን ዝያዳ መርመራ ኮቪድ ዘካየዳ ምምሕዳራት፡ ዝዋሓደ መጠን ሞት ተራእዩ

ኣብ ሽወደን፡ እተን ዝለዓለ መጠን መርመራ ኮቪድ-19 ዘካየዳ ምምሕዳራት፡ ዝወሓደ መጠን ሞት ከም ዝተራእየን፡ ካብ ኮሚሽን ኮሮና ዝተረኽቡ ጸብጻባት ብምጥቃስ፡ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብዘን ዝተፈላለዩ ክሊ ዕድመታትን ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዎ ምምሕዳራት፡ መጠን ምስፍሕፋሕ ኮቪድ-19፡ ክበዝሕ እኳ እንተተራእየ፡ መጠን ሞት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዝሒ ናይቶም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝሓቱ ዘለዉ ሰባት፡ ውሑድ ምዃኑ ይፍለጥ።

ትሑት መጠን ክታበት ዘካየዳ ምምሕዳራት ብለኪንየን ኡስተርዮታንድ እየን ዝበለት ኣደ ወንበር ቦርድ ምምሕዳር ኡስተርላንድ፡ መርመራ ኮቪድ-19 ንምክያድ፡ ናይቲ ከባቢ ላቦራቶሪ ጥራይ ክጥቀሙ ምሕሳቦም ከም ዘጠዓሳ ክትገልጽ እንከላ፡ ብሰንኪ ዋሕዲ መጠን መርመራ፡ መጠን ሞት በዚሑ ዝብል ትንታነ ግን ከምዘይትቅበሎ ገሊጻ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com