Tuesday , May 30 2023
Breaking News

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሽወደን ዝወሓደ ሜዳታት ምምሕዳር ከተማ ምህላዉ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።

ቅድሚ 25 ዓመታት ምስ ዝነበረ ብምውድዳር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሽወደን ዝወሓደ መጻወቲ ቆልዑ ምምሕዳር ከተማ
ምህላዉ “ዩኒቨርሲቲ ስነፍልጠት ሕርሻ” ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሽወደን ኣስታት 10,000
መጻወቲ ሜዳታት ቆልዑ ምህላዉ፡ እዚ ድማ ምስ ቅድሚ ርብዒ ዘመን ዝነበረ እንክወዳደር፥ ብፍርቂ ዝውሕድ ምዃኑ እዞም
ተመራመርቲ ገሊጾም ኣለዉ። እዘን ምምሕዳራት ከተማ ነዚ ሜዳታት ንምዕቃብ ብዙሕ ምስራሕ ከም ዘድልየን፥ እዚ ድማ
ገንዘብ ዝሓትት ምዃኑ ኣብቲ መጽናዕቲ ተመልኪቱ’ል። በዚ ድማ ምምሕዳራት ከተማ ኣብ ክንዲ ኣብ ብዝሒ ኣብ ውሑድን
ሰፋሕትን መጻወቲ ቆልዑ ኣተኲሮ ጌረን ይሰርሓ ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com