“epadunk”, “väntesorg” ከምኡ’ውን “putinpriser” ዝብሉ ቃላት ሓዊስካ፡ ኣብዚ ዓመት 35 ሓደስቲ ቃላት ናብ መዝገብ ቋንቋ ሽወደን ክኣትዉ እዮም። “ቆንስል ቋንቋታት ሽወደን” ከምኡ’ውን “መጽሄት ቋንቋ”–ማለት “ስፕራክቲድኒንገን”– ካብ 2013 ኣትሒዞም ሓደስቲ ቃላት ናብ መዝገበ-ቓላት ከም ዝበቕዑ ክገብሩ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።
ብዙሓት ሰባት፡ ክንደይን መንን ቃላት ናብ መዘገበ ቃላት ኣትዮም ክፈልጡ ዝደልዩ ምዃኖም፡ ኣብዚ ጒዳይ ዘሎ ህዝባዊ ተገዳስነት ይዓቢ ምህላዉ ዘመልክት እዩ ክትብል፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮተበሪ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ቋንቋታት ኖርዲክ ሱዛን ካርልሰን ገሊጻ’ላ።