Tuesday , June 25 2024
A woman lights a candle during a vigil to protest the murder of Mexican radio journalist Jacinto Romero, in Orizaba, Veracruz state, Mexico, Thursday, August 19, 2021. (AP Photo/Felix Marquez) XFM106

ኣብዚ ዓመት: 45 ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም

ከም ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ፌደሬሽን ጋዜጠኛታት (international federation of journalists – IFJ)  ኣብ 2021፡ 45 ጋዜጠኛታት ስርሖም ኣብዝሰርሑሉ እዋን ከምዝተቐተሉ ተገሉጹ።

እዚ፡ IFJ ዓመታዊ ጸብጻባት ምቕራብ ካብዝጀመረሉ ንደሐር፡ እቲ ዝዋሓደ ቑጽሪ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
እታ ኣብዚ ዓመት ብብዝሒ ጋዜጠኛታት ዝተቐተሉላ ሃገር ኣፍጋኒስታን ኮይና፡ ኣብታ ሃገር 9 ጋዜጠኛታት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።
“እዞም ብሰንኪ ጎነጽ ህይወቶም ዝሓለፉ 45 ጋዜጠኛታት፡ እቲ ንሶም ኣብ ዙሪያ ዓለም ብቐጻሊ ንረብሓ ማሕበረሰብ ዓለም ከገልግሉ ዝኸፈሉዎ ዘስካሕክሕ መስዋእቲ ብምዃኑ፡ ንሕና ድማ ብወገንና ነቲ ንሶምን ካልኦት ኣሽሓትን ዝኸፈሉዎ መስዋእቲ ኣፍልጦ ክንህብ ይግብኣና” ክብል ዋና ሓላፊ IFJ፡ ኣንቶኒ ቤላንገር (Anthony Bellanger) ኣተሓሳሲቡ።
ንሱ ወሲኹ፡ IFJ ንጋዜጠኛታት ዝካላኸል ሓድሽ ናይ ሕቡራት መንግስታት መስርሕ ክታኣታቶ ድሌት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com