Thursday , October 6 2022

ኣብ ሃርኖሳንድ ዘሎ ጒዳይ ሽቕለት ቀንዲ ዛዕባ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ከም ዝኸውን ተገሊጹ።

ዝመጽእ መስከረም ንዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ህዝቢ 290 ምምሕዳራት ከተማ ናብ ነቚጣታት መድመጺ ክኸይድ ዝድርኹ ብዙሓት ጒዳያት ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ሃርኖሳንድ፡ ጒዳይ ሽቕለት ነቶም ነበርቲ ኣብኣ ምንባር ንክቕጽሉ፡ ከምኡውን ሓደስቲ ሰፈርቲ ናብታ ቦታ ንኽመጹ ወሳኒ ረቛሒ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ቆንስል እቲ ምምሕዳር እታ ከተማ፡ ዝሓለፈ ዓመት ሚልዮናት ክሮና ብምስላዕ ዝያዳ ሰባት ናብ ስራሕ ክዋፈሩ፡ ከምኡውን ናይ ነዊሕ እዋን ውጥን ልምዓት ብምውጻእ ነበርቲን ስራሕን ንምድንፋዕ ይሰርሕ ምህላው ሬድዮ ሽወደን ጠቒሳ’ላ።