Thursday , June 20 2024
Credit: Marcus Ericsson/TT

ኣብ መዕበዪ ህጻናት ዝርከቡ መንእሰያት ዝረአ ጎነጽ የሻቕል።

ኣብተን ብሃገራዊ ቦርድ ትካላዊ ክንክን ሽወደን ዝመሓደራ መዕበዪ ህጻናት ዝፍጸም ጎነጽ እናኸበደ ይኸይድ ብምህላዉ፡
ሰራሕተኛታት ኩሉ ግዜ ነቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ክከላኸሉ ይኽእሉን የለዉን ተባሂሉ። ሓደ ካብዞም ህጻናት “ድሕሪ ሓደ ወርሒ
ነዚ ኲነታት ከም ንቡር ክወስድ ምጅማሩ፥ እቲ ኲነታት ኣዝዩ ጎነጽ ዝበዝሖ” ምዃኑ ይገልጽ። ንሱ ብምኽንያት ምጥቃም
ዕጸፋርስ እዩ ብሃገራዊ ቦርድ ትካላዊ ክንክን ሽወደን ዝመሓደራ ግዱድ መዕበዪ ህጻናት ክኣቱ ተጌሩ። ኣብዚ ትካላት ብፍላይ ንሓደ
ሰብ ብጒጅለ ኴንካ ምጥቃዕ ልሙድ ምዃኑ ካብ ዝተፈላለዩ ኣባይቲ ክንክን ዝወጹ 160 ጸብጻባት ዝረኣየ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ
ሽወደን ጸብጺቡ’ሎ።
ሓላፊት ህጻናት ኤልሳቤጥ ዳህሊን፡ “እዚ ቅቡል ኣይኮነን። ኣብዚ ክንክን ዝርከቡ ህጻናት ክመሓየሹ እምበር ዝገደደ ጎነጻውያን
ኮይኖም ክወጹ ኣይግባእን” ትብል።

 

Credit: Marcus Ericsson/TT

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com