Saturday , December 2 2023

ኣብ ስቶክሆልምን ሊንሾፒንግን ኣብ መንበሪ ኣባይቶ ብዝተፈጸመ ፍንጀራ ሓያሎ ቆሲሎም

ትማሊ ምሸት ኣብ ሃሰልቢ ስትራንድ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ብዝተፈጸመ ፍንጀራ ሰለስተ ሰባት ቆሲሎም። ኣስታት 30 ሰባት
ከኣ ናብቲ ኣብ ጥቓኦም ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ክግዕዙ ተገዲዶም ኣለዉ። ትማሊ ሰሉስ ንግሆ፡ ካብ ስቶክሆልም ንደቡባዊ
ምዕራብ 200 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሊንሾፒንግ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ተወሳኺ ምፍንጃር ከም እተፈጸመን ፖሊስ ነቲ
ጒዳይ ኣብ ምጽራይ ከም ዝርከቡን ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ጸብጺባ’ላ። “እቲ ምፍንጃር ኣብ ጥቓና ብምኽሳቱ ንምእማኑ ዘጸግም
ነውጺ እዩ ፈጢሩ” ትብል ነባሪት እቲ ጎደቦ ካትሪና።

 

Pixabay

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com