Friday , June 14 2024

ኣብ ስቶክሆልም ካብ ኣባይተን እተፈናቐላ ኣንስቲ ቊጽረን ይውስኽ።

ኣብ ሰብዓታት ዝርከባን ኣቐዲመን ንቡር ህይወት ክመርሓ ዝጸንሓን ብርክት ዝበላ ሽማግለታት ኣንስቲ ኣባይቲ ኣልባ ኰይነን ኣብ ጎደና ክድቅሳ ይረኣያ ምህላወን ተፈሊጡ። ኣብ ቀረባ እዋን ብ ኣሃዱ ኣባይቲ ኣልቦ ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ቊጽሪ ናይዘን ቤት ኣልባ ዝዀና ደቀንስትዮ ኣብ ምውሳኽ እዩ ዝርከብ ዘሎ። ኣባል ቆንስል ማሕበራዊ ዜጋትት ስቶክሆልም ጃን ጃንሰን እዛ ከተማ በዚ መዳይ ሽግራት ይረኣይዋ ምህላዎም ይገልጽ።

ስለዚ ድማ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንኸምዚአን ዝበላ ካብ ኣባይተን ንእተፈናቐላ ደቀንስትዮ ዝሕግዝ መደባት ክሕንጽጽ ከም ዝግባእ ድማ ተላብዩ። ነባር ኣማኻሪት ሲቲሚሽን ማሪካ ማርኮቪች ብወገና ኣብ ሽወደን እትኣክል ሃብታም ሃገር ቤት ዘይብለን ሽማግለታት ምርኣያ ኣመና ከም ዘገረማ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝነበራ ጻንሒት ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com