Wednesday , March 22 2023

ኣብ ሶማል ዕጸፋርስ ዝወስዳ ደቀንስትዮ ብቚጽሪ እናወሰኻ ይመጻ።  

ኣብ ሞቓድሾ ሓዊስካ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሶማል ዕጸፋርስ ናይ ዝወስዱ ሰባት፡ እንተላይ ደቀንስትዮ እናወሰኽ ክመጽእ ምጽንሑ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጾም። ኣብ ሶማል ጫት ሕጋዊ ብምዃኑ፡ ብዙሓት ደቀንስትዮ ነዚ ቆጽሊ ከም ዝሕይኻ፡ መስተ ከም ዝሰትያን ሓሽሽ ከም ዘትክኻን ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ፥ ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዘን ከኣ ብ ሱር ደም ዝውሰድ “ኦፒዮድስ” ዝጥቀማ ደቀንስትዮ እናበዝሓ ምምጽአን ተሓቢሩ። 22 ዝዕድሜኣ ሶማላዊት መንእሰይ ኣብ ሞቓድሾ በቲ ዕጸፋርስ ደንዚዛ ኣብ ጎደናታት ወዲቓ ድሕሪ ምርካባ ብፍላይ ኣዚ ጒዳይ ሰፊሕ ኣቓልቦ መንግስቲ ምስሓቡ ቢቢሲ ወሲኹ ጸብጺቡ’ሎ።

እዚ ን ሞርፊን፡ ታማዶል፡ ፐቲዲንን ኮዴንን ዘጠቓልል እዩ።

ኣብ ምጅማር እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ብዝሒ ዘለዎ ሓሽሽ፡ ብፍላይ ድማ ኦፕዮድስ ኣብ ኣህጒራዊ መዓርፎ ንፈርቲ ሞቓድሾ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎምን ነቶም ኣምጻእቱ ምቕያዶምን ፖሊስ ሶማልያ ገሊጾም ኣለዉ።





Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com