Friday , July 12 2024

ኣብ ሽወደን ሕጽረት ኣገልግሎት ህጹጽ ሕክምና የጋጥም ኣሎ !!

ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ዝርከቡ ሕሙማት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ሓደ መዓልቲ ምሉእ ይጽበዩ ኣለዉ ተባሂሉ። ኣብ ሽወደን ዘሎ ሕጽረት ነርስታት ብፍላይ ኣብ ግዜ ክረምቲ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድር ምህላዉ ተገሊጹ።

ክረምታዊ ዕረፍቲ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ኣሉታዊ ሳዕቤናት የርኢ ምህላዉ ድማ ተመልኪቱ’ሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ Ekot ዳይረክተር ሆስፒታል ሱንደርክ ማትያስ ሞሪን ሕሙማት ክፍሉ ህጹጽ ሕክምና ክትትል ከይተገብረሎም ሓደ መዓልቲ ዝሓልፈሉ እዋናት ኣሎ።

“ኣብዚ ክረምቲ ብፍላይ ብሰንኪ ዋሕዲ ነርስታት ዓብዪ ጸቕጢ ኣሎና” ድሕሪ ምባል ሕሙማት ንሓደ መዓልቲ ዘድልዮም መድሃኒትን መግብን ሒዞም ናብ ሆስፒታል ክመጹ ኣተሓሳሲቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com