Tuesday , June 25 2024
STOCKHOLM 2014-09-15 En familj packar upp best‰llda matvaror frÂn Matsmart. Det finns olika typer av matkassar att v‰lja mellan, allt frÂn vegetarian- till barnanpassade. Foto: Maja Suslin / TT / Kod 10300

ኣብ ሽወደን ብዛዕባ ቀረብ መግቢ ዝኾነ ዘሻቕል ነገር ከምዘየለ ይሕበር።

ሚኒስትሪ ገጠራዊ ጒዳያት ጄኒ ኔልሰን ሽወደን ሕጽረት መግቢ ከም ዘይብላን ምስ ጒዳይ ምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ብምትሕሓዝ ዝውረ ዘሎ ሻቕላ ቀረብ መግቢ መሰረት ኣልቦ ምዃኑን ኣመልኪታ። ንሳ ሎሚ ምስ ተወከልቲ ኢንዱስትሪ መግቢ ተራኺባ ኣብ እዋን ቅልውላው ብዛዕባ ዝህሉ ቀረብ መግቢ ምዝታያ ተመልኪቱ። እዚ ኣኼባ ብከም Ica, axfood ከምኡ’ውን Coop ተወከልቲ ዓበይቲ ናይ መግቢ ኣቅረብቲ ትካላት ዝተሳተፍዎ ምንባሩ ድማ ተፈሊጡ።

እታ ሚኒስተር ሽወደን እዂል ቀረብ መግቢ ስለዘለዋ ምንም ዘሻቕል ኣብነት ከም ዘየለ ኣስሚራትሉ’ላ። ስለዚ ድማ ዜጋታት መግቢ ክሰኣን እዩ ዝብል ስግኣት ክኣትዎም ከም ዘይግባእን ሽግር ምስ ዘጋጥም ኣቐዲሞም ናይ ክልተ ሰሙን ሸመታ ክገብሩ ክሕበሩ ምዃኖምን ገሊጻ’ላ። ሽወደን ምስ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ክስዕቡ ዝኽእሉ ቅልውላዋት ንምምካት ዘድሊ ዘበለ ምድላዋት ጌራ ምህላዋ ድማ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com