Friday , July 12 2024

ኣብ ሽወደን ንዝፍጸሙ ዘለዉ ገበናትን ነትጒን ንምግታእ ኣ ፖሊስ ሽወደን ሓያል ምድላዋት ይገብር።

ፖሊስ ሽወደን ንዝፍጸሙ ዘለዉ ናይ ነትጒ ስርሒታት ንምግታእ ሓያል ምድላዋት ክገብር ምዃኑ ተመባጺዑ። ንዝፍጸሙ ዘለዉ ገበናት ናይ ምግታእ መስርሕ ዝተሓላለኸ ክኸውን ከምዝኽእል ኣዛዚ ፖሊስ ሽወደን፡ ኣንድሬሽ ሶርንቤሪ ኣረጋጊጹ። ብምቕጻል፡ ከም ሓለቓ መርበብ ስለላ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ ሶርንቤሪ ቀጺሉ፡ ብዝሒ ናይ ዝካየዱ ዘለዉ ናይ ነትጒ ስርሒታት ሓደገኛን ኣሰካፍን ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ሃገር ዝቕመጡ ሰባት ውሕስነት ንኽስመዖም ፖሊስ ሽወደን ዝካኣሎ ይገብር ከምዘሎ ሶርንቤሪ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ብምቕጻል፡ ንጉጅለታት ናይ ዝተወደበ ገበን ንምቅላስ ሓለፍቲ ፖሊስ ንዝጥቀምሉ ኣገባባትን ስጉምታትን ገሊጹ። ፖሊስ ሽወደን ነቲ ብሰንኪ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ብዝሒ ነትጒ ዝረአ ዘሎ ናይ ሻቕሎት ስምዒታት ከምዝርደኦን ኣብ ዝሓልፈ ሰሙን ኣብ ማልሞ ጥራይ ኣብ 24 ሰዓታት 3 ናይ ነትጒ ስርሒታት ተኻይዱ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ነቶም ኣብ ናይ ነትጒን ሓደገኛ ናይ ጭካነ ገበናትን ዝሳተፉ ሰባት ንምህዳን ፖሊስ ሽወደን ዝተፈላለዩ ኣገባባትን ስልትታትን ከም ዝጥቀም ሶርንቤሪ ኣብሪሁ። ፖሊስ ሽወደን ምስ ኣህጉራዊ ፖሊስ፡ መርበብ ስለላ ኤውሮፓዊ ሕብረትን ምስ ኣብ ውሽጢ ሽወደን ዝርከባ 11 ወገናት እናተሓባበረ ይሰርሕ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com