Wednesday , March 22 2023

ኣብ ሽወደን ከም ዝነብሩ ኣምሲሎም ዝተመዝገቡ ፕሮፌሽናል ተጻወትቲ ብገበን ክሕተቱ ተኽእሎ ኣሎ።

ብዙሓት ፕሮፌሽናል ተጻወትቲ ኲዕሶ እግሪ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝቕመጡን ዝጻወቱን እናሃለዉ ኣብ ሽወደን ከም ዝቕመጡ ኣምሲሎም ይምዝገቡ ምህላዎም፡ ብወንጀል ከኽስሶም ዝኽእል ጥሕሰት ሕጊ ምዃኑ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።

“ኣብ ሽወደን ተቐሚጥካ ክንስኻ ን ኤጀንሲ ቀረጽ ጸጻብ ከየቕረብካ ን ወጻኢ ሃገር እንድሕሪ ኬድካ ምጥሓስ ሲቪላዊ ምዝገባ ከም ዝፈጸምካ እዩ ዝቚጸር” ክብል ኣብ ኡድቬላ ዋና ህዝባዊ ጠበቓ ጆን ኒልሰን ን ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ተጻወትቲ ኲዕሶ ዲጃን ኩሉሰቭስኪ ከምኡ’ውን የስፐር ካርልሰን ከሚ ዝበለ ጥሕሰት ምፍጻሞም ተጠቒሱ’ሎ። እዞም ተጻወትቲ ብጌጋ ኣብ ሽወደን ከም ዝቕመጡ ኮይኖም ምምዝጋቦም፡ ከምኡ’ውን ክገሹ እንከለዉ ናብ ኤጀንሲ ቀረጽ ጸብጻብ ከም ዝግበር ዘይምፍላጦም፡ እንተኾነ ግና ሕጂ ንጌጋኦም ክእርሙ ድሉዋት ምህላዎም ጠበቓኦም ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ’ሎ።





Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com