Friday , June 14 2024
Security guards outside the entrance to the Saudi consulate in Istanbul. The picture is from last year. (AP Photo/Emrah Gurel) XLP107

ኣብ ቕትለት ጅማል ኻሾጊ፡ ኢድ ኔርዎ ዝተባህለ ጥርጡር ሰብ ተለቒቑ

ኣብ ቕትለት ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ ኢድ ኔርዎ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣብ ፈረንሳ ከም እተታሕዘ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር። ይኹን እምበር እቲ መንእሰይ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ካብ ቀይዲ ከምዝተለቀ ሎሚ ፖሊስ ፈረንሳይ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኻልድ ዔድ ኣልጠይቢ ዝተባህለ ሱዑዳዊ ዜጋ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቻርለስ ደ ጎል ፓሪስ እዩ ትማል ሰሉስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ዝገለጹ ምንጪታት ፖሊስ ፈረንሳ፡ ብቱርኪ ካብ ዝህደኑ ዘለዉ 26 ስዑዳውያን ሓደ ከምዘይኮነን ብጌጋ ተታሒዙ ከምዝነበረን ገሊጹ።

33 ዝዕድሜኡ ኣልጠይቢ፡ ኣቐዲሙ ሓለዋ ንግስነት እታ ሃገር ዝነበረ ምዃኑ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።

ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ፡ ቀንዲ ነቓፋይ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ኮይኑ ብ 2018 ኣብ እስጣንቡል ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ከም እተቐትለ ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com