Tuesday , May 30 2023
Breaking News

ኣብ ቫርምላንድ ኣብ ውሽጢ መዝሓሊ ሬሳ ሓንቲ ሰበይቲ ተረኺቡ።

ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ቫርምላንድ ኣብ ውሽጢ መዝሓሊ ሬሳ ሓንቲ ሰበይቲ ተረኺቡ። 55 ዝዕድሜኡ ሰብኣይ በዚ ቕትለትን
“ሰላም መቓብር ብምጥሓስን” ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ። እታ ሰበይቲ ካብ እትመውት 4 ዓመትን መንፈቕን
ዝመልአት ምዃናን ኣጠቓላኢ መርመራ ክገብር ምዃኑን ኣኽባር ሕጊ ሊንዳ ካርሰን ገሊጻ’ላ። እቲ ጥርጡር ነዚ ገበን
ኣይወዓልኲዎም ክብል ናይ እምነት ክሕደት ቃሉ እኳ እንተሃበ ገበን “ግራቭፍሪድቭሮት”–ወይ ድማ “ሰላም መቓብር
ምጥሓስ” ምፍጻሙ ግና ተኣሚኑ’ሎ።
ሬሳ እታ ሰበይቲ ናይ መን ምዃኑ ዛጊት ክረጋገጽ ኣይተኽእለን። እንተኾነ ግና ኣብቲ ኣድራሻ ትነብር ዝነበረት ከይኮነት ኣይትተርፍን፡
መን ምዃና ንምርግጋጽ ግና ግዜ ከድልየና እዩ ኢላ’ላ ካርልሰን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com