Tuesday , June 25 2024
"The spread of infection must be reduced before the weekends," says infectious disease physician Thomas Wahlberg at Smittskydd Västra Götaland. Foto: Björn Larsson Rosvall / TT kod 9200

ኣብ ቬስትራ ጎትላንድ … መልኸፍቲ ኮቪድ ወሲኹ

ኣብ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ እንዳወሰከ ይቕጽል ኣሎ። ዝሓለፈ ሰሙን 36 ሚኢታዊት ተወሰክቲ ሓደሽቲ ሉኩፋት ምስ ናይ ቕድሚኡ ዝነበር ሰሙን ብምንጽጻር ከምዝተመዝገቡ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
“ምስፍሕፋሕ እዚ ለበዳ ቕድሚ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳመ – ሰንበት ግድን ክቕንስ ኣለዎ ” ክብል ኪኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ቶማስ ዋልቤሪ፡ ኣብ ስሚትዂድ ቬስትራ ጎትላንድ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
በዓል መዚ ምቁጽጻር መልከፍቲ፡ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ወሰክ ከምዘሎ ፈሊጡ ‘ሎ፡ ብዘይካ ኣብቶም ኣዝዮም ብዕድመ ዝድፍኡ፡ ልዕሊ 90 ዝዓመቶም ማለት’ዩ። ሕጂ ዘሎ መልከፍት፡ ዝበዝሐ ኣብ መንጎ 30 ክሳብ 49 ዕድመ ዘለው ሰባት ‘ዩ ዘሎ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ 2,840 ሓድሽ መልከፍቲ ከምዝተረኽቡ ከኣ ተፈሊጡ።
ኪኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ቶማስ ዋልቤሪ፡ ከምዝበሎ፡ እዚ ዘሎ ኩነታት ዕቱቡነት የድልዮ፡ ብፍላይ ዓበይቲ ውራያት ኣብ ዝህልውና፡ ጻዕቂ ምንቕስቃስ ኣብ ዝህልወሉ፡ ንኣብነት ናይ በዓል ልደት ዕዳጋን ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ዝውሰከሉን ኣጋጣሚታት።
”ሕጂ ደገ ንወጽኣሉን ብጻዕቂ ንንቐሳቀሰሉን ግዜ ኣይኮነን። እዚ መለከፍቲ፡ ሰባት፡ ኣብ ዝተኣከብሉ ‘ዩ ዘስፋሕፍሕ፡ ኣብዚ እዋን ርሕቀት ክትሕሉ ኣጸጋሚ ‘ዩ። እንተደኣ ናይ በዓል ልደት ክትሽመት ደሊካ፡ ውሑድ ምንቕስቃስ ናይ ሰባት ኣብ ዘለዎ ፈትን። ኣብቲ ዝበዝሕ ኩነታት ጻዕቂ ዝፍጠረሉ ህዝባዊ መጓዓዝያ ድማ መሽፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ተጠቀም ” ይብል ቶማስ ዋልቤሪ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናይ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ ላባላቶሪታት ብጠቕላላ 62,663 ጸብጻብ መርመራታት ገይሩ፡ እዚ ምስቲ ቕድሚኡ ዝነበር ሰሙን ክነጻጸር ከሎ ብ 23 ሚኢታዊት ወሲኩ።
ብመሰረት ናይቲ ምምሕዳር ስታስቲክስ፡ ብሰኑይ፡ 77 ሕሙማት ኮቪድ ኣብቲ ቦታ ክንክን ተገይሩሎም፡ 13 ካብኦም ህጹጽ ሕክምናዊ ክንክን ከም ዝተገብረሎም ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com