Thursday , June 20 2024
Credit: Isabell Höjman/TT

ኣብ ትካል ግዱድ ክንክን መንእሰያትን ቆልዑን ጾታዊ መጥቃዕቲን ምግሃስን ከም ዝረአ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ “ውሑስ ኣባይቲ ክንክን መንእሰያት’ ልዕሊ 200 መጥቃዕቲታት ጾታን ምግሃስን ከም
እተፈጸሙ ሓደ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እቲ ትካል፡ ኣብ ወርሒ ብውሕዱ 5 ከምዚ ዝበሉ መጥቃዕቲታት ብሰራሕተኛታቱ ከም
ዝፍጸሙ ገሊጹ’ሎ። እዚ ብ “ሃገራዊ ቦርድ ክንክን ቆልዑን መንእሰያትን” ዘመሓድሮ ኮይኑ፡ ከምኒ ብርቱዕ ወልፊ ዝመሰለ ስነ-
ኣእምሮኣዊ ሽግር ንዘለዎም ቆልዑን መንእሰያትን ከም ዝከናኸን ዝፍለጥ እዩ። ነዚ ኲነታት ዘቃልዐት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም
ክፍሊ “ክሪሚኖሎጂ” ተመራማሪት “ማሕበራዊ ጒዳያት” ማርያ ኣንደርሾን ኮይና፡ “እዚ ውድቀት እቲ ትካል ዘርኢ ህያው መርኣያ
እዩ” ክትብል ብትሪ ነቒፋ’ላ። ከምዚ ዝበለ ምግሃስ ብ ክፍሊ ዲሲፕሊን እቲ ትካል ከም ዘይተራእየ፡ ምኽንያት እዚ ድማ እቶም
ግዳያት ጥርዓኖም ተኣማንነት ብዘይምርካቡ ምዃኑ ኣንደርሾን ወሲኻ ኣመልኪታ።
በዚ ድማ እቲ ትካል፡ ኣብቲ ተሓከምቲ ኣዋልድ ዘለዋኦ ኣሃዱታት፡ ዝበዝሓ ደቀንስትዮ ሰራሕተኛታት ንምቚጻር ይሰርሕ ምህላዉ፥
ዳይረክተር ጀነራል ኤልሳቤጥ ሆልማርክ ሓቢራ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com