ምስ ደግሲ ለበዳ “ኮቪድ-19” ኣብ ኣባይቲ ክንክን እተዋፈሩ ኣባላት ኣብ ወጥሪ ምህላዎም ተገሊጹ። ኣብ ኣባይቲ ሽማግለታት ዘሎ መጠን ለበዳ ብቊጽሪ እኳ እንተወሰኸ፡ ብምኽንያት ልዑል መጠን ክትባት ሽማግለታት፡ ኣባላት ካብ ምጅማር እቲ ለበዳ ብዝሓሸ ነቲ ኲነታት ይኣልይዎ ምህላዎም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።
“ነዚ ሕማም ንምምካት ዝቃለሱ ኣባላት ኣለዉና። እቲ ኲነታት ግና ኣሸጋሪ’ዩ” ክትብል ኣብ ምምሕዳር ከተማ ለሰቦ ጒዳይ ጥዕናን ማሕበራዊ ጒዳያትን እትከታተል ኣና ሮሳንደር ገሊጻ’ላ።