Friday , July 12 2024

ኣብ ኣብያተ መግቢ ሽወደን ብጸሊም ሽቕለት ምውሳኹ ተገሊጹ።

በዓልመዚ ቀረጽ ሽወደን ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ንውሁብ ሕጊ ሰዓታት ስራሕ ብዝጥሕስ ኣገባብ ገለ ኣብያተ መግቢ ጸሊም ሽቕለት የዘውትራ ምህላወን ኣቃሊዑ’ሎ። እታ ሬድዮ ካብ ግቡእ ሰዓታት ወጻኢ ክሽቅሉ ዝግደዱ ሰራሕተኛታት ምዝርራባ’ውን ተመልኪቱ።

በዓልመዚ ቀረጽ ኣብያተ መግቢ ስምን ሰዓታት ሰራሕተኛታቶምን ክምዝግቡ ዘገድድ እኳ እንተኾነ ኣብ ኣፈጻጽማኡ ገለ ሃጓፋት ምህላዉን ነዚ ሕጊ ዝጥሕስ ጸሊም ዕዳጋ ምብርካቱን ድማ ተመልኪቱ። ሃገራዊት ኣወሃሃዲት በዓልመዚ ቀረጽ ሽወደን ኮኒ ስቬንሰን “ንዂሉ ክንበጽሕ ብዘይምኽኣልና ዝመጸ ገለ ናይ ሸፈጥ ኣገባባት ማዕቢሉ’ሎ…ኣብ መስመር ከነእትዎ ኢና” ኢላ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com