እዚ ጻውዒትን ጥርዓንን ጒዳይ ዕጸፋርስ፥ ባእስን ካልእን ዘጠቓለል ኮይኑ ፖሊስ ዛጊት ሰለስተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም 38 ከኣ ብዝተፈላለየ ጒዳይ ኣሲሮም ኣለዉ ተባሂሉ። ካብ መንጐ እዚ ኣብ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ዝቐረበ ጒዳያት ኣብ ኖርሾኮፒን ከባቢ ቨርቤ ሰዓት 2 ለይቲ ዝተገብረ ጾታዊ ምድፋር ናይ ሓንቲ ኣብ ዕስራታት እትርከብ መንእሰይ ጥርዓን ከምዝበጽሖኦ እውን ፖሊስ ሓቢሩ። በዚ እተጠርጠረ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ተሓቢሩ’ሎ።
ተመሳሳሊ ጾታዊ ምድፋር ኣብ ኖርሾፒን ምግጣሙን ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉን ድማ ተመልኪቱ’ሎ። ኣብ ቪቪድበርይ ( vtvidaberg ) ክልተ ሰባት ምብኣሶምን ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ከም እተወስዱን ድማ ተገሊጹ።፡ ብዘይካዚ ሰዓት 1 ናይ ለይቲ ፖሊስ ብጠርጠራ ምዝውዋር ዕጸፋርስ ንሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ። ኣብ ሓደገኛ ቦታታት ርችት ተኲሶም ናይ እተባህሉ 21 ሰባት ጥርዓን ከም ዝበጽሖም እውን ፖሊስ ወሲኾም ገሊጾም።