Tuesday , July 16 2024

ኣብ ካልማር ብቕትለት ዕሸላ ዝተኸሰሰት ኣደ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ።

ቤት ፍርዲ ከተማ ካልማር ብቕትለት ዕሸላ ዝተጠርጠረት ጓል 27 ዓመት ኣደ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክትኣቱ ኣዚዙ። ብዓርቢ 8 ሕዳር፡ ብመሰረት ሓበሬታ ሓካይም ጎሎኣዊ ዓጽሚ’ታ ኣደ ራጂ ንኽግበረሉ ወለዲ እታ ናይ መዓልታት ዕድመ ዝነበራ ዕሸል፡ ናብ ሆስፖታል ማልሞ ብታክሲ ኣብ ዝኸድሉ ዝነበሩ እዋን እታ ዕሸል ምስትንፋስ ከምዘቋረጸትን እቶም ወለዲ ተቐላጢፎም ኣምቡላንስ እኳ እንተጸውዑ ብኡ ንብኡ ሆስፒታል ከይበጽሐት ሂወታ ከምዝሓለፈን ምኽንያት ሞታ ድማ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈልጠን ጋዜጣ ኢክስፕረሰን ሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ብቐዳም ዕለት 9 ሕዳር እቶም ወለዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ ጠለቡ ኣቕሪቡ። ቤር ፍርዲ ካልማር እቲ ዘድሊ መርመራ ድሕሪ ምግባሩ ነቲ ወላዲ ካብ ኩሉ ጥርጣሬታት ነጻ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ለቒቕዎ። እታ ወላዲት ግን ብሞት ናይታ ዕሸል ተኸሲሳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወት እቲ ቤት ፍርዲ ወሲኑ። ወላዲ እታ ዕሸል ንጋዜጣ ኢክስፕረሰን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነት ኣብ ሂወቱ እቲ ዝኸፍአ መባህረር ምዃኑን በዓልቲ ቤቱ ድማ ነጻ ምዃና ኣረጋጊጹ። ብምቕጻል፡ በዓልቲ ቤቱ እታ ዝበለጸት ወላዲት ምዃናን ክሳብ ነጻ ትወጽእ ድማ ከምዘየዕርፍን ድማ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com