Wednesday , October 4 2023
Breaking News

ኣብ ኮንጎ ብዙሓት ተቐቲሎምን ተጨውዮምን

ኣብ ኮንጎ ኪንሻሳ ዚርከቡ ሸፋቱ ኣብ ከተማ በኒ ብውሕዱ 11 ሰባት ቀቲሎም 15 ድማ ጨውዮም።

እቲ ሬሳታት ናይቶም ዝሞቱ ኣብ ማተተ ዚብሃ ቁሸት እዩ ተረኺቡ። ኣብ መንጎቶም እተጨውዩ፡ ካብ 5-10 ዓመት ዝዕድመኦም 10 ህጻናት ይርከቡዎም።

እቲ መጥቃዕቲ በቶም ናይ ኡጋንዳ እስላማዊ ሚሊሻ እዩ ተኻዪዱ።

ኮንጎ ኪንሻሳ ብናይ ኤቦላ ሕማም ትጥቀዓሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ከምዚ ዝበለ ጸገማት ነቲ ሕማም ንምቍጽጻር ዕድል ኣይህብን። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፡ ክልተ ወሃብቲ ሓገዝ ኣብ ቡተምቡ እተባህለ ቁሸት ተቐቲሎም እዮም።

እዚ ድማ ንኹሎም ኣንጻር ኤቦላ ዚቃለሱ ሕማቕ መዓልቲ እዩ፡ ይብል ናይቲ ሃገር ሚኒስተር ጥዕና።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com