Tuesday , July 16 2024

ኣብ ዝመጽእ 15 ዓመታት 21 ሽሕ መማህራን ክድለዩ እዮም ተባሂሉ።

ብመሰረት ትጽቢታት ኤጀንሲ ሃገራዊ ትምህርቲ ሽወደን ኣብ ዞባ ስኮና ኣብ ኣብ ዝመጽእ 15 ዓመታት 21 ሽሕ መማህራን ክድለዩ እዮም ተባሂሉ። ብሰንኪ ጡረታ ዝወጹ መምህራን ሃጓፍ ንምምላእ ስልጠና መማህራን ምቅልጣፍ ኣድላዪ እዩ ዝበለ እቲ ኤጀንሲ ምውሳኽ ህዝቢ እታ ከባቢ ካልእ ደራኺ ረቛሒ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ድሕረ ባይታ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ማልም ኣንደርስ ኣልሰን ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ምምህርና ተደላዪ ሞያ ንኽኸውን ሰሓቢ ደሞዝ ክህልዎ ኣድላዪ እዩ ኢሉ። ዋሕዲ መማህራን ዓብዪ ብድሆ እናኾነ ምምጽኡ’ውን ኣመልኪቲ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com