Friday , July 12 2024

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ።

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ብዝሕ ዝበለ ኣጽዋርን ዕጸፋርስን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምእታዉ ተፈሊጡ። እቲ ስርሒት ሞት ዘይተፈልዮ እኳ እንተነበረ ብሓፈሻ ዕጒባት ምዃኖም ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። “ኣቐዲሙ ተወጢኑ ንዝጸንሐ ጎነጽ ኣብ ሓጺር ግዜ ምውጋድ ፍጹም ዘይከኣል እዩ” ዝበለ መራሕ እዚ ስርሒት ስቴፈን ሰንቲየስ ይዂንምበር ፖሊስ ጎንውጽ ንምጒዳል ዝከኣሎም ዘበለ ኲሉ ኣብ ምግባር ምህላዎም ሓቢሩ።

ንሱ ኣብዚ ስርሒት 40 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣትዮም ምንባሮምን 5 ክድለዩ ዝጸንሑ ሰባት ከም እተታሕዙን 25 ዝኾኑ ኣባይቲ ከም እተፈተሹን ተገሊጹ። ኣብዚ ስርሒት ክሳብ 12 ኪሎ ዝበጽሕ ዕጸፋርስን 4000 ዝተፈላለየ ከኒናታትን 325 ሽሕ ክሮና ጥረ ገንዘብን ከም እተረኽበ ተገሊጹ። ብዘይካዚ 20 ብረታይን ገለ ተፈንጀርትን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምእታዉ ተገሊጹ። ተመሳሳሊ ስርሒታት ፖሊስ ኣብ ምዕራብ ሽወደንን ስቶክሆልምን ምክያዶም ተፈሊጡ’ሎ።

ናይዚ መስርሕ ዋና ተጸዋዒ ዝኾነ ስተፋን ሄክተር ዓቕሚ ፖሊስ ክብ ንኽብል ኩሉ ዘድሊ ማተርያላዊ ሓገዝ ክግበር ጸዊዑ። ኣብ ሽወደን ገበን ብዝተፈለላየ ምኽንያታት እናወሰኸ ምምጽኡ፥ ብፍላይ ድማ ስደት፥ ሓድሽ ቴልኖሎጂን፥ ትራንስፖርትን ኣብዚ ተራ ይጻወቱ ምህላዎም ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com