Friday , June 14 2024
U.S. Secretary of State Antony Blinken. File

ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ናብ ኬንያን ናይጀርያን ክበጽሕ እዩ

ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ኣህጒር ኣፍሪቃ ኣብ ዝገብሮ ዑደት፡ ንሃገራት ኬንያ፥ ናይጀርያን ሰነጋልን ክበጽሕ እዩ ተባሂሉ።

ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ምስ ፕረዚደንታት እዘን ሰለስተ ሃገራት ብምርኻብ፡ ኣብ ጒዳይ ርክብ ኣፍሪቃን ኣመሪካን መደረ ከስምዕ ምዃኑ፡ ስቴት ዲፓርትመት፡ ሓቢሩ’ሎ።

ፈላማይ እግሩ ናብ ኬንያ ከምርሕ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ክፍሊ፥ ኣብ ኢትዮጵያ፥ ሱዳንን ሶማልያን ብዛዕባ ዘሎ ሽግራት ምስ መዘናኡ ኡሁሩ ኬንያታ ክዝቲ እዩ ኢሉ። ብዘይካ’ዚ፡ ጒዳይ ክሊማን ለበዳ 19 እውን ኣካል እቲ ዛዕባ ክኾኑ እዮም ዝብል ትጽቢታት ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com