Wednesday , October 4 2023
Breaking News

ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ናብ ተቐማጦ Hässleholm ምምሕዳር ከተማ ደቡባዊ Skåne ቀልጢፎም ካብቲ ቦታ ክግዕዙ ኣመሓላሊፉ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ Åbuamossen  ኣብ መንጐ ጎደና ምዕራብ 1940 ከምኡ’ውን ጎደና ሰሜን 1941 እሳት ብምልዓሉ እዩ።፡

ብሬድዮን ተሌቪዥንን ካላ መራኸቢ ብዙሃንን እተመሓላለፈ መልእኽቲ ከም ዘነጽሮ ፖሊስ ኣብዚ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ብኣግኡ ክግዕዙ ንምግባር ተጊሆም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ።

ብመሰረት እቲ ጻውዒት ሰባት ብቕጽበት ናብቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳልይዎ ዘሎ ኣብ Hästveda ዝርከብ Hantverksgården ክኸዱ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com