Friday , June 14 2024
Saliha holds her four-month old baby Najeeb as he undergoes treatment at the malnutrition ward of the Indira Gandhi Children's Hospital in Kabul, Afghanistan, (AP Photo/Petros Giannakouris) XPG508

ኣፍጋኒስታን፡ ገዚፍ ቊጠባዊ ቅልውላው ይኽሰት

ዝጅመር ዘሎ ወቕቲ ሓጋይ፡ ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው መሊሱ ከጋድዶ ከም ዝኽእል ይገለጽ ኣሎ። ጣሊባን፡ ንከተማ ካቡል ድሕሪ ምቊጽጻሮም ብዝሰዓበ ኣህጒዊ እገዳ፡ ቊጠባ እታ ሃገር ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ወዲቑ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ኣፍጋንሲታን፡ ምስ ምውዳቕ መንግስቲን ምውጻእ ሰራዊት ምዕራብን ነታ ሃገር ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዛት ደው ብምባሉ፡ ሽቅለት ኣልቦነት ብናህሪ ይኽሰት ምህላዉን ስድራቤታት ቤቶም ንምውዓይ ዝጥቀሙሉ ዕንጸይቲ ንምግዛእ ይዂን ዝብላዕ ንምግዛእ ተጸጊሞም ምህላዎም ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ህጻናት እታ ሃገር፡ ኣብ ከቢድ ዓጸቦ ምህላዎም ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ UN ነታ ሃገር ዝወሃብ ሓገዝ ከም ዝጠለበ፡ እቲ ዜና ወሲኹ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com