Friday , July 12 2024
social media

ኤርትራዊ ኣመሪካዊ ዓንዶም ገብረገርግሽ ኣብ ምርጫ 2020 ክወዳደር እዩ

ኣብ 2020 ንዝካየድ ምርጫ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ንምስታፍ ኣሜሪካዊያን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተወዳደርቲ ምዃኖም የፍልጡ ኣለው። ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዓንዶም ገብረገርግሽ እውን ንምምሕዳር 16 ክፍለ ግዝኣት ኔውዮርክ ወኪሉ ኣብቲ ምርጫ ከምዝወዳደር ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሰነ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ተወሊዱ ዝዓበየ ዓንዶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብታ ከተማ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ማውንት ቨርኖን ዝተባህለ ከባቢ ብሞያ መምህርነት ዘገልግል ዘሎ መንእሰይ’ዩ።

ወለዱ ንዓንዶም ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ኣብ ምንቅስቃስ ተማሃሮ ሰሜን ኣሜሪካ ልዑል ኣበርክቶመ ነይሩም።

ምንጪ: VOA


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com