ባህል ተፈጥሮን ሽወደን፡ ንኤርትራዊ ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም በታ ሎሚ ዓመት ኣብ ሃገረ ሽወደን ዘሕተማን ዝዘርግሓን ሓዳስ መጽሓፍ “ኣብ ሊብያ’የ ጠኒሰ” እትብል መጽሓፍ፡ ብሉጽ ደራሲ ብምባል ናይ 100 ሽሕ ኩረነር (10 ሽሕ) ዶላር ተሸላሚ ኮይኑ።
ባህል ተፈጥሮን ሽወደን፡ ኣብዚ ዓመታዊ ዝህቦ ሽልማት፡ ካብ መላእ ሽወደን ንዝቀረቡ 200 ደረስትን ጸሓፍትን፡ በቲ ኣብዚ ዓመት ዘቕረብዎ ፍርያት ንውድድር ከቅርቦም ከሎ፡ 11 ደረስቲ ብሉጻት ብምባል፡ ንነፍሲ ወከፎም 100 ሽሕ ኩረነር ማለት 10 ሽሕ ዶላር ክስልሞም በቒዑ። ኤርትራዊ ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም ድማ፡ በታ ሎሚ ዓመት ኣብ ሽወደን ብቋንቋ ትግርኛ ዘሕተማ መጽሓፍ፡ ምስ ኩሎም ሽወደናውያን ደረስቲ ተወዳዲሩ፡ እቲ ንብሕቱ ዝተዓወተ ወጻእተኛ ብምኻን እዩ፡ ናይ 10 ሽሕ ዶላር ተሸላሚ ኮይኑ።
ኣብዚ ህቡባትን ብደረጃ ሽወደን ዓቢ ሽምን ዝናን ዘለዎም ደረስቲ ብምውድዳር ተዓዋቲ ምዃኑ ድማ፡ ንኤርትራውያን ጸሓፍትን ደረስትን ዓቢ ዝላን፡ ንስነ ጽሑፍ ቛንቋ ትግርኛ ድማ ኣብ ዓበይቲ ውድድራት ክዕወት ከምዝኽእል ህያብ ኣብነት ኮይኑ ኣሎ።
ባህል ተፈጥሮን ሽወደን ዓመታዊ ንዕውታት 10 ሽሕ ዶላር ንነፍሲ ወከፍ ተዓወቲ ዝሽልም ኮይኑ፡ ተዓወቲ ኣብ መጻኢ ስርሖም ሓጋዝን ኣተባባዕን ክኾኖም ብምባል እዩ፡ ንቀጻሊ ስርሖም ዝድግፍ ህጥሩ ገንዘባዊ ሽልማትን ናይ ኣፍልጦ ወረቀትን ዝዕድል።
ባህል ተፈጥሮን ሽወደን፡ ብ19 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም፡ በታ ሎሚ ዓመት ኣብ ሽወደን ዝዘርግሓ መጽሓፍ “ኣብ ሊብያ’የ ጠኒሰ” ዝተዓወተ ኮይኑ፡ እዛ መጽሓፍ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ስደት፡ ሕሱም ናብራ ዘሕልፋ ናይ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ መጽናዕቲ ብምክያድ ዝተጠርነፈ ሓቀኛ ዛንታታት ዘለዋ ብምዃን ዝተዳለወትን፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ – ኢትዮጵያ፡ ካርቱም ሱዳን ከምኡ’ውን ሊብያ ኣብ ጸገም ንዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ፈትሹ፡ ንዛንታት ብኣእማኒ ኣገባብ ከቅርብ ምኽኣሉ፡ ንሽልማት ክበቅዕ ከምዝኽኣለ ብምሕባር፡ ናብ ሽወደን ካብ ዝመጽእ ካብ ዓመተ 2020 ክሳብ 2022 ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመተ ክልተ መጽሓፍቲ ከቅርብ ምብቕዑ ብተወሳኺ ክሽልሞ ከምዝኽኣለ ሓቢሩ።
ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ዓቢ ዝናን ሽምን ዘለዎም ሽወደናውያ ደረስቲ፡ ኣብቲ ውድድር ክካተቱ ከለዉ፡ ንብሕቱ ናብ ውድድር ዝቀረበ ወጻእተኛ ኤርትራዊ ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም ድማ፡ እቲ እንኮ ተሸላሚ 10 ሽሕ ዶላር ክኸውን ዝበቅዐ ደራሲ እዩ።
ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም፡ ካብ 1999 ክሳብ 2019 ኣብ ኤርትራ ከም ጋዜጣ ብምዃን ዝሰርሐ ኮይኑ፡ ካብ 2005 ክሳብ 2019 ድማ ኣብ ኤርትራ 5 መጽሓፍቲ ብምድራስ ናብ ህዝቢ ዘርጊሑ፡ ኣብ 2019 ካብ ኤርትራ ብምውጻእ፡ ብ2020 ናብ ሃገረ ሽወደን ክኣቱ ከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2020 ኣብ ሽወደን “ወጽዓ’ታ ህጻን” እትብል መጽሓፍ ብምዝርጋሕ፡ ብጋዜጣ vk ናይ 10 ሽሕ ኩረነር ተሸላሚ ከምዝኾነ ዝዝከር ኮይኑ፡ በታ ሎሚ ዓመት ደሪሱ ዝዘርግሓ “ኣብ ሊብያ’የ ጠኒሰ” እትብል መጽሓፍ ድማ፡ ብባህልን ተፈጥሮን ሽወደን፡ ካብ መላእ ሽወደን ተዓዋቲት ብምዃን 10 ሽሕ ዶላር ክትሽለም በቂዓ ኣላ።
ኣብ ኩሉ ዓውዲ፡ ኣብ ስደት ዘሎ ድማ፡ ብዘይ ምሕላል እንተሰሪሑ ክዕወት ከምዝኽእልን፡ ባይታ ናይ ምፍጣር ሜላ ብውልቕና እንጺዕርና፡ ክንዕወት ከምንኽእልን ህያብ ኣብነት እዩ።