Breaking News
Erna Solberg is the second woman to take the prime ministership in Norway, after Gro Harlem Brundtland (AP) who served three different terms between 1981 and 1996. Foto: Terje Bendiksby / NTB

ኤርና ሶልበርግ፡ የቐንየለይ! ደሓን ኩኑ ትብል

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ፡ ኤርና ሶልበርግ፡ “የቐንየለይ! ደሓን ኩኑ” ብምባል ንህዝብን መንግስትን ኖርወይ ተፈንያ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ብልፍንቲ ሆይረ (Høyre) ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኖርወይ፡ ስልጣኑ ነቲ ብማሕበራዊ ዴሞክራሲ ዝምራሕ መንግስቲ ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ኖርወይ ሓድሽ ዘመነ ፖለቲካ ምጅማሩ ዘበሰረ ህሞት እዩ ነይሩ።

እቲ ልፍንቲ፡ ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሑ፡ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ፡ ከም እተሳዕረ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ኖርወይ፡ ካልአይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ ብምዃን ዝመርሐት ሶልበርግ፡ ስልጣን ባይቶን ኪንግ ሃራልድን ከም ዘብቅዐ ብዕሊ ኣፍሊጣ’ላ። ትማሊ ሰሉስ፡ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀት፡ሪ ኤርና ሶልበርግ፡ ከም ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ናይ መወዳእታ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሂባ።

“ንኹሉ ሰብ እተመስግነለን፡ ናይ ሓዘን መዓልታት እየን” ክትብል ኣብ ባይቶ ቀሪባ ምዝራባ ኣገልግሎት ዜና NTB ገሊጹ። ምስ እትፈልጦምን እትፈትዎምን ሰባት ክትስርሕ ትጸንሕ’ሞ፡ ንስኻ ምስ ተኣለኻ ድማ ምስ ካልእ ሰብ ክሰርሑ ክትርኢ እንከለኻ ብጣዕሚ እዩ ዝስመዓካ ክትብል ነቲ ሃውሁ ገሊጻ።

ሓላፊ ሰልፊ ዕዮ፡ ስቶረ (Støre)፡ ምስ መላፍንቱ ዝኾነ ሓላፊ ሰንተርፓርትየት፡ ትርጊቭ ስላግስቮልድ ቬየም (Trygve Slagsvold Vedum)፡ ሎሚ ረቡዕ፡ መንግስቲ ድሕሪ ምእዋጅ፡ ጽባሕ ሓሙስ፡ መንግስትነት ክርከቡ እዮም። ብድሕሪ’ዚ፡ ነቲ ብመንግስቲ ሶልበርግ ዝቐረበ ናይ ዝቕጽል ዓመት ገንዘባዊ ባጀት፡ ክቕይርዎ ዝደልዩ እንተ ኾይኖም ድማ ክውስኑ እዮም ተባሂሉ’ሎ።