ትካል ሓባሲ ንብዓት–“ኦምቡስድመን”፡ ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜ ኣመልኪቱ ን ኤጀንሲ ስደተኛታት ኣብ ባይቶ ብትሪ ነቒፉ። በዚ ድማ እቲ በዓልመዚ ነዚ ሽግር ንምቕራፍ ንጡፍ ስጒምቲታት ክወስድ ጻውዒት ቀሪቡሉ’ሎ። ኣብ ኤጀንሲ ስደተኛታት፡ ሕቶታት ፍቓድ መንበሪን ዜግነትን ዘካውነሉ ዘሎ ኣገባብ “ዝሕቱልን ዘይንጡፍን እዩ” ክብል ኣብ ባይቶ ኣባል እቲ ትካል ፐር ለነርብራንት ገሊጹ’ሎ።
ዞባዊ ዳይረክተርን ኣባል ጒጅለ መሪሕነትን ኤጀንሲ ስደተኛትት ቨሮኒካ ኬንት ብወገና፡ ነቲ ብትካል ሓባሲ ንብዓት ዝቐረበ ጸብጻብ ከም እትድግፎ እንተኾነ ግና እቲ ጸብጻብ ኣብ ክንዲ ብድፍድፉ ዝቐርብ ዝነጸረ ክኸውን ይግባእ ኔሩ ዝብል እምነት ከም ዘለዋ ገሊጻ’ላ። ኤጀንሲ ስደተኛታት ዝርእዮ ሕቶታት ብቚጽሪ ኣዝዩ እናወሰኸ ምምጽኡ ዝገለጸት ቨሮኒካ፡ ካብቲ ዝቐደመ ዝልዕል ውሳነታት ይህብ ምህላዉ ን ሬድዮ ሽወደን ኣረጋጊጻ’ላ።