Tuesday , May 30 2023
Breaking News

እቲ ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት ሕጊ ንኸይቅየር

ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኣቦመንበር ካርል ፐተር ቶርቫልድሶን፡ እቲ ስተፋን ሎፍቨን ምስ ሰንተርን ሊበራልን ኮይኑ ዚምስርቶ መንግስቲ ነቲ ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት LO ሕጊ ከየበላሽዎ ይሰግእ።

– ብዛዕባቲ ሕቲ ንምዝታይ ኣይጸልእን ግን ብሓደ ወገን ጥራይ ዚግበር ለውጢ ነቲ ሕጊ ከበላሽዎ ይኽእል እዩ።

– ነቲ ጠለባት ቁጠባዊ ህይወት ሽወደን ከም ዚዓግብ ምግባርን ነቲ ዚወርድን ዚድይብን ናይ ኣቕሓ ይኹን ናይ ኣገልግሎት ፍርያት ንምምሕዳር ጽቡቕ ተኽእሎታት ኣሎ። ከምኡውን ነቲ በዓልደሞዝ፡ ኣብቲ ሜዳ ስራሕ ውሕስነት መታን ንኺስምዖ ዚቐርብ ጠለብ። እዚ ኹሉ ኪመዓራረ እዩ።

ስተፋን ሎፍቨን ምስ ሰንተርን ሊበራልን ከም ዚሰርሕ ስለ ዝሓበረ፡ እቲ ዘረባኡ ከም ዝዓደሞም  ተገይሩ ተወሲዱ ነይሩ።

ኣቦመንበር ማሕበር ሰራሕተኛታት ግን እቲ ጉዳይ ንብዙሓት ሰራሕተኛታት ብዘይ ውሕስነት ከም ዚሰርሑ ኪገብር ይኽእል እዩ ይብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com