Breaking News
Police arrest a man as people gather at a so-called "Freedom Day" protest in Melbourne, (James Ross/AAP Image via AP) SYD802

ከተማታት ኣውስትራልያ፡ ዕጽዋ ብዝቃወሙ ሰልፈኛታት ይናወጻ

ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ኣውስትራልያ፡ ንተሪር ሕግታት ዕጽዋ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት፡ ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ ተባሂሉ።

ኣሽሓር ሰባት፡ ኣብ ሲድኒ ክእከቡ እንከለዉ፡ ኣብ ሜልበርንን ብሪስባንን ውሕድ ዝበሉ ተረኺቦም ኣለዉ። እቶም ኣብ ከተማ ሲድኒ እተኣከቡ ሰልፈኛታት “ነጻነት” ዝብል ጭርሖ የስምዑ ምንባሮም ድማ ተገሊጹ።

ሰብመዚ ፖሊስ፡ ዛጊት 57 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ። ኣብ ኣውስትራልያ ብሰንኪ ዳግማይ ለበዳ ኮሮና፡ መንግስቲ፡ ጽንዕ ዝበለ ሕጊታት ዕጽዋ ምትእትታዉ ዝዝከር እዩ።